Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 186 ሰባት እንትርከቡ 3 ሰባት ድማ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 4 ሺሕን 34 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 186 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሰለስተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 2 ወረወሒ ክሳብ 75 ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 73 ደቂ ተባዕቲዮ 113 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ 181 ሰባት ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ሓሙሽተ ድማ ሰብ ናይ ወፃኢ ዜግነት ዘለዎም ኢዮም።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 147 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰባት ካብ ክልል ሶማሌ፣ 10 ሰባት ካብ ክልል ዓፋር፣ 8 ሰብ ካብ ድሬዳዋ፣ 4 ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 1 ሰባት ካብ ክልል ደቡብ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 5 ሺሕን 34 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ሰለስተ ሰባት ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ሓደ ሰብ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክልተ ሰባት ክብ ክልል ሶማሌ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ናብ 78 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ሚኒስቴር ጥዕናን ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ብምኽንያት ሕልፈት ህይወት እቶም ዜጋታት ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ ንመላእ ቤተሰብ ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 74 (63 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ካብ ክልል ትግራይ፣ 2 ካብ ክልል ሶማሌ፣ 2 ካብ ክልል ደቡብ ከምኡ እውን ሓደ ሰብ ካብ ክልል ሃረሪ) ካፍቲ ሕማም ዝደሓኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ሕማም ተለኺፎም ዝደሓኑ ሰባት ቁፅሮም 1 ሺሕን 486 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.