Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ 14 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕን 271 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላብራቶሪ 14 ተወሰኽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባተ ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እቶም በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ ኩሎም ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ዕድምኦም ካብ 19 ክሳብ 68 ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 9 ካብ ኣዲስ ኣበባ እንትኾኑ፥ ሓደ ካብ ትግራይ፣ ሓደ ሰባ ካብ ክልል ኦሮሚያ ከምኡውን 3 ሰባት ካብ ክልል ሶማሌ ፈሊኻ መፅንሒ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ተዛሪበን።

ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 365 ከምዝበፅሐ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 4 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሐሾም ብምግላፅ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 120 ሰባት ከምዝሐሾም ሓቢረን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.