Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ 189 ሺሕ ስደተኛታት ዝኸውን ደገፍ 25 ሚሊየን ዶላር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታት(ኣይ.ኦ.ኤም)ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተፈናቐሉ 189 ሺሕ ስደተኛታት ዝኸውን ደገፍ 25 ሚሊየን ዶላር ሓቲቱ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝተፈጠረ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ንክስደቱ ምኽኒያት ከምዝኾነ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

እቶም ሰባት ንመንጋጥ ጥዕና፣ ሞት፣ ሕፅረት ምግብን ካልኦት ፀገማትን ከምዝተቓልዑ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ደገፍ 25 ሚሊየን ዶላር ሓቲቱ።

እቲ ዝተሓተተ መጠን ገንዘብ ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ስደተኛታትን ተፈናቐልቲን ሰብኣዊ ደገፍ ንምብፃሕ ዝብል ከምዝኾነ ኣብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.