Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ፀፅታን ድሕንነትን ኣብ  ምሕላው ዕውት ስራሕ ከምዝተስርሐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ፀፅታን ድሕንነትን ኣብ  ምሕላው ዕውት ስራሕ ከምዝተስርሐ ላዕለዎት ኣመራርሣ ገሊፆም።

ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን፥ ኣብቲ ወርሒ መሰል  ብሰላም ምንባር ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ ፈተነታት ነይሮም ኢሎም።

እዚ ድማ  ኢትዮጵያ ተፈጥሮኣዊ ሃፍታ ተጠቒማ ንምልማዕ እትገብሮ ፃዕሪ ብዝተወደበ መገዲ ንምትዕንቓፍ ዝዓለመ ከምዝኾመ ገሊፆም።

ብመንፅር እዚ ጉጅለ ኣልሸባብ ንምድምሳስ ኣብ ዝተወሰደ ስጉምቲ ንኢትዮጵያ ንምድኻም ዝሰርሑ  ሓይሊታት  ራዕዲ ሸኔ፣ ህወሓትን ናይ ካልኦት ሃገራት ዜጋታትን  ምስቲ ግብረራዕዲ ብሓበዘር ተሰሊፎም ምንባሮምን ከምዝተደምሰሱን ከምዝተረጋገፀ ኣብሪሆም።

ናይ መንግስቲ ኮሙኒኬሽን ኣገልግሎት ሚኒስትር ዶክተር ለገሰ ቱሉ ብግደኦም፥ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ህዝቢ ብምስታፍ  ኮንትሮባንድ፣ ሽርሒ ኢኮኖሚ፣ ቅትለት፣ ዘረፋ፣ ዘይሕጋዊ ኣወዳድባን ሓፈሻዊ ስግኣት ድሕንነትን ኣብ ልዕሊ  ዝፈጥሩ ሓይልታት ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ኣንፈት ኣቐሚጡ እናተሰርሐ ፀኒሑ ኢዩ ኢሎም።

እቶም ዝተቐመጡ ኣንፈታት ተግባራዊ ብምግባር ዕውት ስራሕ ከምዝተሰርሐ ድማ ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ሓላፊ ዋና መምርሒ መረጃ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሌተናል ጀነራል ብርሃኑ በቀለ፥ እቲ ቤት ምኽሪ ብመሰረት ዘቐመጦ ኣንፈት ዕውት ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.