Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዝማዕበለ ናይ ህፃናት ሕማም ቆርበት መፍለዪ ሲስተም ደርምኔት

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ደርምኔት ብኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዝማዕበለ ውፅኢት ሰብ ስራሕ ምስትውዓል ቴክኖሎጂ ኢዩ፡፡

እቲ ስርዓት ሕማም ህማም ቆርበት ህፃናት ንምልላይ ዝሰርሕ ከምዝኾነ ካብ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ደርምኔት÷ ብሕክምና ኣፀዋውዐኦም ኣቶፒክ ደርማታይተስ፣ ፖፑላር ኣርትካሪያን ስኬቢስን ዝተብሃሉ ሕማም ቆርበት ህፃናት ብምፍላይ ምርመራን ሕክምናን ንመሃብ ዘኽእል ስርዓት ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡

ደርምኔት ብስፔሻሊስት ሓኻይም ቆርበት ህፃናትን  ተመራመርቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ብጥምረት ዝማዕበለ ስርዓት ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

ተሓከምቲ ምልውዋጥ ቦታ፣ ግዘን ኩነታትን እንተይዓገቶም ብመርበብ ሓበሬታ ምትእስሳር እቲ ግልጋሎት ከምዝረኽቡ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.