Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ዝተሳለጠ መበል 125 በዓል ዓወት ዓድዋ ብሰላም ከምዝተኸበረ ኮሚሽን ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ዝተሳለጠ መበል 125 ባዓል ዓወት ዓድዋ ብሰላም ከምዝተኸበረ ኮሚሽን ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ወ/ሮ ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ምኒሊክ ኣደባባይ ከምኡ ውን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ካልኦት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝተኸበረ እቲ በዓል ብሰላም ከምዝተኸበረ እዩ ተገሊፁ።

እቲ መርሃ ግብሪ መበገሲኡ ኣብ ምኒሊክ ኣደባባይ ብምግባር ኣብ ድልድል ዓድዋ ዝተገበረ ጉዕዞ እግሪ ብዝደመቐ ኩነታት ብሰላም ከምዝተኸበረ እቲ ኮሚሽን ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል ፍፁም ሰላማዊ ኮይኑ ንክኽበር ህዝቢ ንዝገበሮ ምትሕብባርን ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ንዝተዋፅኡ ኣካላት ፀፅታን እቲ ኮሚሽን አመስጊኑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.