Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሰልፊ ድጋፍ ብሰላም ምዝዛሙ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መስቀል ኣደባባይ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሰልፊ ድጋፍ ብሰላም ምዝዛሙ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ጁንታ ህወሓት ዝቃወምን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝድግፍን ሰለማዊ ሰልፊ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ተኻይዱ።

እቲ ሰልፊ፥ ፈጣሪ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝገብሮ ምንቅስቓስ ብምቅዋምን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ህልውና ሃገር ንምሕላው ንዝተዋፈሩ ኣካላት ፀፅታን ዘለዎም ደገፍ ንምግላፅ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ብሰላም ምዝዛሙን ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዓወት ምዝዛሙን ሓዊሱ ክሳብ ሐዚ ብብርኪ ሃገር ዝተረኸቡ ዓወታት ዝተወደሰሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ መርሃ ግብሪ ብሰላም ንክዛዘም ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምስ ፌዴራል ፖሊስን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ብምውዳድ ተግባሮም ከምዝፈፀሙ ብምሕባር፥ ኣብቲ ስራሕ ንዝተሳተፉን ሓላፍነቶም ብብቕዓት ንዝተዋፅኡን ኣካላት ፀፅታ ከምኡወን ንመላእ ነበርቲ ከተማ ብፍፁም ጭዋነት፣ ትዕግስቲን መነፈስ ምትሕብባርን ንኣካላት ፀፅታ ብምድጋፎም ፖሊስ ኣዲስ ኣበበ አመስጊኑ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.