Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ 150 ኣናእሽተይ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ርኽክብ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ በቢብርኩ ንዝርከቡ ትካላት ዘገልግላ 150 ኣናእሽተይ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ (ሚኒባስ) ርኽክብ ኣካይዱ።

ን11 ክፍለ ከተማታትን ንማእኸል ትካላትን ዝተውሃባ ከምዝኾና ተገሊፁ።

እተን ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ዘረከባ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ÷ “ንህዝቢ ግልጋሎት ዝህቡ ትካላት ተሽከርከርቲ ምዕዳግ ዘድለየሉ ምኽንያት ግልጋሎት ተበፃሒ ንምግባር ኢዩ” ኢለን።

ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ብምኽንያት ኣረግቶት ተሽከርከርቲ ዝመፅእ ብኽለት ኣየር ንምክልኻል ኣስተዋፅኦአን ዕዙዝ ከምዝኾነ ብምፅራሕ÷ እቲ ዕድጊት ብኽለት ኣየር ብምክልኻል ወፃኢ ንምቑጣብ ከመዘኽእል እውን ኣብሪሀን።

ብሜሮን ሙሉጌታ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.