Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ክልላዊን ጉዳያት ብምጥማት ምስ ነበርቲ ከተማ ኣርባ ምንጭን ከባቢኣን ልዝብ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ክልላዊን ጉዳያት ብምጥማት ምስ ነበርቲ ከተማ ኣርባ ምንጭን ከባቢኣን ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ÷ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሚኒስትር መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኣይተ ኣብርሃም ኣለሀኝ፣ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣይተ ታረቀኝ ቡሉልታ፣ ተፀዋዒ መንግስቲ ክልል ደቡብ ኣይተ ጥላሁን ከበደን ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሞ ኣይተ ብርሃኑ ዘውዴን እናመርሑዎ ከምዝኾኑ ካብ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዞባ ጋሞ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ካብ ምምሕዳር ከተማ ኣርባ ምንጭን ከባቢኣን ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብ እናተሳተፉ ይርከቡ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ወላይታ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ክልላዊን ጉዳያት ምስ ሕብረተሰብ ልዝብ እናተገበረ ይርከብ፡፡

ምክትል ኣፈ ጉባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሜ በዶ እቲ መድረኽ እናመርሐኦ ይርከባ፡፡

እቲ መድረኽ ዘተ ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ከምዝዝቲን ክፋላ ሕብረተሰብ ኣብ ቀፃሊ ትፅቢት ዝግበረሉ ሓላፊነት ንምስላጥ ኣንፈታት ከምዘቕምጥን ተሓሩ፡፡

ኣመራርሓታት ፌዴራል፣ ክልል፣ ዞባን ከተማ ሶዶን ከምኡ እውን ካብ ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተውፃእፅኡ ኣባላት እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡

ብማስተዋል ኣሰፋ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.