Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከባቢ ኣሰላን ኢተያን ህንፀት ሓይሊ ሃፋ ምፍልፋል ንምፍፃም ዘኽእል ሰነድ ስምምዕ 100 ሚሊየን ዶላር ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ ኣሰላን ኢተያን ህንፀት ሓይሊ ሃፋ 50 ሜጋ ዋት ምፍልፋል ንምፍፃም ዘኽእል ሰነድ ስምምዕ 100 ሚሊየን ዶላር ተኸቲሙ።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕ ሃገር ቦቆል ትካል ቱሉ ሞዬን ኮርፖሬሽን ሚትስቡሽን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክት ካብ መንግስቲ ፈረንሳይ ብዝርከብ ፈንድ ዝፍፀም ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ኣማራፂ ሓይሊ ካብ ብኽለት ከባቢ ዝፀረየን ዘላቒ ብምዃን ተደላይነቱ ልዑል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

“ሓይሊ ሃፋ ኣብ ሃገርና በስፍሓት ምጥቃም ንደሊ ኢና” ዝበሉ ሚኒስትር ዕደና  ኢንጂነር ታከለ ኡማ፥ እቲ ኣማራፂ ሓይሊ ኣብ ምስፋሕ መንግስቲ ቁርፀኛ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ነዚ ድማ ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓመታት ዘገልግል ፖሊሲ ብምቕራፅ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኣብሪሆም።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.