Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ መበል 19 ዙር ውድድር ሪለይ ማራቶን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ መበል 19 ዙር ውድድር ሪለይ ማራቶን ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ሃገራዊ ውድድር፥ ካብ ኩለን ክልላት፣ ምምሕዳራት ከተማን ክለባትን ኢትዮጵያ ዝተወከሉ ብዓለምለኸ መዓቐንታት ዳያኑ ዝተሓረዩ 84 ኣትሌታት ምዝሳተፉ ተገሊፁ።

5፣ 7ን 10ን ኪሎሜትሮ ዝሸፈነ ርሕቐት ብኽልቲኡ ፆታ ውድድር ከምዝካየድ ድማ ተሓቢሩ።

ኣብ ስነ ስርዓት ምጅማር እቲ ውድድር፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናንት ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፣ ፕሬዚዳንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ደራርቱሉ ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ ኣትሌትክስ ፌዴራልን ክልላትን ተረኺቦም ኢዮም።

ብኽልቲኡ ፆታ ቀዳማይ ንዝወፅኡ ንሕድሕዶም 40 ሺሕ ብር፣ ካልኣይ 20 ሺሕ ብር፣ ሳልሳይ ድማ 15 ሺሕ ብር ሽልማት ከምዝወሃቦም ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.