Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከባ ጨንፈራት ባንኪ ወጋገን ዳግም ስራሕ ጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ወጋገን ኣብ ትሕቲ ዲስትሪክት መቐለ ዝርከባ 28 ጨንፈራቱ ዳግም ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመራ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ማርኬቲንግን ኮርፖሬት ኮሙኒኬሽንን ባንኪ ወጋገን ኣፈወርቅ ገብረፃዲቅ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ባንኪ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ብምኽንያት ጎንፂ ስራሕ ጠጠው ኣቢለን ዝፀንሓ ጨንፈራቱ ዳግም ናብ ስራሕ እናምልሰ ይርከብ፡፡

ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ብፍላይ ኣብ ዲስትሪክት ሽረ ዝርከባ 17 ጨንፈራት ቅድሚ ሕዚ ስራሕ ከምዝጀመራ ገሊፆም፡፡

ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ዲስትሪክት መቐለ ዝርከባ 28 ጨንፈራት ዳግም ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማረን ኣረጋጊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.