Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሰናድኡ ኤግዚብሽናትን ባዛራትን ንቅቡልነት ፍርያታት ውሽጢ ዓዲ በሪ ከምዝኸፈቱ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሰናድኡ ኤግዚብሽናትን ባዛራትን ፍርያታት ውሽጢ ዓዲ ንምፍላጥን ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣርን በሪ ዝኸፈቱ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ማእኸል ኤግዚቢሽን ኣዲስ ኣበባ ዝተኸፈተ̎ ምርኢት ንግዲ ባዛርን ፌስቲቫልን ዝተፈላለዩ ፍርያታት ቀሪቦም ይርከቡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ÷ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈረዩ ፍርያታት ቆርበት፣ ዕንፀይቲ፣ ዓለባታትን ክዳውንትን ከምኡ እውን ባህሊ ሃገር ዘርእዩ ስእልታትን መጋየፅታትን ንመሸጣ ቀሪቦም።

ኣብታ ከተማ መፍረይትን ሸየጥትን ኣብ ሓደ መድረኽ ዘራኽቡ ኩነታት ምድላዎም ምትእስሳር ዕዳጋ ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ ኣብቲ ዓውዲ ንዝተዋፈሩ ኣካላት ዘተባብዕ ምዃኑ ኣብቲ ኤግዚቢሽን ዝተሳተፉ ነጋዶ ገሊፆም።

እቲ ሕብረተሰብ ፍርያታት ውሽጢ ዓዲ ናይ ምግዛእ ባህሉ እናዓበየ ምምፅኡ ብምግላፅ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብተመጣጣኒ ዋጋ ፍርያታት ክረኽበሉ ዝኽእል ኩነታት ከምዝተፈጢረ እውን ተዛሪቦም።

ዓደግቲ ብግደኦም÷ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝዳለዉ ኤግዚብሽናትን ባዛራትን÷ ሕብረተሰብ ፍርያታት ውሽጢ ዓዲ ናይ ምጥቃም ድሌቱ ዘጠናኽሩ ስለዝኾኑ ክተባብዑ ይግባእ ኢሎም።

እቲ ምርኢት ንግዲ÷ ካብ 6 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ክሳብ ድሮ ልደት ከምዝፀንሕ ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.