Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሃረሪ ዝተኻየደ መረፃ ናፃ፣ ፍትሓዊን ዘይሻራዊን ከምዝነበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ክልል ሃረሪ ዝተኻየደ መረፃ ናፃ፣ ፍትሓዊን ዘይሻራዊን ከምዝነበረ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ተናሓናሕቲ ውድባት ክልል ሃረሪ ተገሊፁ።

እቲ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ፥ 20 መስከረም 2014 ዓ.ም ኣብቲ ክልል ዝፀኻየደ መረፃ ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ።

ኣብ መግለፂኡ ድማ፥ ብብሄራዊ ቦርድ መረፃ ዝተገለፀ ውፅኢት መረፃ ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ውሽሳን ደጋዊን ፅዕንቶ ተፃዊራ ሉኣላዊት ሃገር ከምዝኆነት ንፈዊን ፀላኢን ዘመስከረትሉ ኢዩ ኢሉ።

መረፃብሰላም ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት እውን ምስጋና ኣቕሪቡ።

ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ መሓመድ ሑሴን ኣደም፥ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ መረጻ ምንሕናሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሕድሕድ ፖሊሲ መንግስቲ እናገበሩዎ ዝነበረ ንቑሕ ተሳትፎ ኣብ ፍትሓዊነትን ናፅነትን እቲ መረፃ ኣስተዋፅኦ ከምዝነበሮ ገሊፆም።

ከይዲ መረፃ ድማ ካብ ቅድመ መረጻ ክሳብ ድሕረ መረፃ ሰላማዊ ከምዝነበረ ዝሓበረ እቲ ቤት ምኽሪ፥ ኣብቲ ክልል መንግስቲ ንምምስራት ዝበቅዕ ድምፂ ንዝረኸበ ፓርቲ ብልፅግና ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ።

ብእዮናዳብ ኣንዱዓለም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.