Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ብዝተወለዐ ጎንፂ 12 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ወረዳ ማንዱራ ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ብዝተፈጠረ ጎንፂ 12 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላምን ፀፅታን ኣይተ ጋሹ ዱጋዝ፥ እቲ ጎንፂ ትማሊ ለይቲ ሰዓት 8 ከምዘጋጠመ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ 12 ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ ሓደ ሰብ ድማ ጉድኣት በፂሑዎ ክትትል ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

መበገሲ እቲ ጎንፂ፥ ሰለስተ ሰባት ናይ ሓደ ሰብ ጠበንጃ መንዚዖም ብምስዋሮም ኢዩ ተባሂሉ።

ነዚ ስዒቡ ቤተሰብ እቲ ዝተመንዘዐ ሰብ ብዝፈፀምዎ ተግባር ህይወት እቶም ሰባት ከምዝጠፍአ ገሊፆም።

ነዚ ዝፈፀሙ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ እውን ኣይተ ጋሹ ተዛሪቦም።

ክሳብ ሐዚ ዘይተትሓዙ ውልቀ ሰባት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዓሊሙ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፖሊስ ፌዴራልን ኣካላት ፀፅታ እቲ ክልልን ይሰርሑ ከምዘለዉ እውን ሓቢሮም።

እቲ ዝተፈጠረ ተግባር ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ዝተፈጠረ እንተኾነ እውን፥ ልኡኽ ዘለዎም ሓይሊታት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ንምፅራይ ምርመራ ይግበር ከምዘሎ ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.