Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ዝውዕል 126 ሺሕ ኩንታል ሓገዝ ምግቢ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ፌዴራል ንተመዛበልቲ ወገናት ዝውዕል 126 ሺሕ ኩንታል ምግቢ ከምዝገበረ ኮምሽን ሓደጋ ስግኣት ቅድመ ድልዉነትን መጠንቀቕታን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።
እቲ ሓገዝ ምግቢ÷ ስርናይ፣ ሕሩጭ ስርናይ፣ ፋፋን ዘይትን ዘካተተ ከምዝኾነ ዳይሬክተር እቲ ኮምሽን ኣይተ ገብረዝጋብሄር ኣረጋዊ ገሊፆም።

እቲ ዝተውሃበ ሓገዝ ንመዛበልቲ ጥራሕ ከምዝወሃብን ቀዳምነት ዝዉሃቦም ወገናት ቀዳምነት ብምሃብ ከምዝከፋፈልን ኣብሪሆም።
ን745 ሺሕ ተመዛበልቲ ወገናት ቀለብ ሓደ ወርሒ ከምዝሽፍን ሓገዝ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ገብረዝጋብሄር÷ ነዞም ወገናት ቀልጢፉ ክበፅሕ ናብ ወረዳታት ንምብፃሕ ምጉዕዓዝ ከምዝተጀመረ ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.