Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ክሳብ ሕዚ ብር 3 ነጥቢ 7 ቢሊየን ወፃኢ ብምግባር ሓገዝ ህፁፅ እዋን ቀሪቡ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ክሳብ ሕዚ ብር 3 ነጥቢ 7 ቢሊየን ወፃኢ ብምግባር ሓገዝ ህፁፅ እዋን ከምዝቐረበ ተገሊፁ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣይተ ምትኩ ካሳ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ዝደልዩ 4 ነጥቢ 5 ዜጋታት ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ንኹሎም ሓገዝ ከምዝበፅሖምን ኣብ ካልኣይ ዙር ን2 ነጥቢ7 ሚሊየን ዜጋታት ከምዝበፅን ገሊፆም።

ክሳብ ሕዚ ካብ ሞንጎ ዝቐረበ ሰብኣዊ ሓገዝ እቲ 70 ሚኢታዊ ብመንግስቲ ዝተሸፈነ ይኹን እምበር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን መሓዙት ኣካላት ኣስተዋፀኦ ንኸበርክቱ ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ክልል ካብ ውሽጢ ዝርከባ 92 ወረዳታት እቲ 86 ሚኢታዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ብመሓዙት ኣካላት ከምዝሽፈን እውን ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ ክልል ዝርከቡ 1 ሚሊየን ተመዛበልቲ ብፍቓዶም ንምጥያሽ ሙሉእ ሰላም ናብ ዝተረጋገፀሎም ከባቢታት እቶም ተመዛበልቲ ንምምላስ፣ ሙሉእ ሰላም ኣብ ዘይተመለሰሎም ቦታታት ድማ ዜጋታት ኣዝማዶም ኣብዘለዉሉ ቦታ ሓገዝ እናቐረበሎም ተፀጊዖም ንኽነብሩ ከምኡ እውን ግዚያዊ ጣቢያታት መፅለሊ ብምህናፅ ቅድሚ ክረምቲ ተመዛበልቲ ክጣየሹ ንምግባር ኣማራፂታት እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ሓረስቶት ስራሕቲ ሕርሻ ከይተኣጓጎል እታወታት ሕርሻ እናቐረበሎም ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን 2 ነጥቢ 1 ሚሊየን ተመዛበልቲ ዘለዉ እንትኾኑ፥ ክረምቲ ቅድሚ ምእታዉ ናብ 40 ሚኢታዊ ንምውራድ እናተሰርሐ ይርከብ ተባሂሉ፡፡

ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.