Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኣምሓራ ርክክብ መሳርሕታት ሜካናይዜሽን ሕርሻ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣዳላውነት ቢሮ ሕርሻ ክልል ኣምሓራ ” ካብ ኣርዑትን ነዊትን ናብ ትራክተር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንሓረሰቶት እቲ ክልል ርክክብ መሳርሕታት ሜካናይዜሽን ሕርሻ ተኻይዱ።

እቲ ሓገዝ መሳርሕታት ሜካናይዜሽን ሕርሻ÷ ኣብቲ ክልል ዘሎ ፀገም ቀረብ ቴክኖሎጂ ንምቕራፍ ስራሕቲ ሕርሻ ብዘመናዊ መገዲ ብምክያድ መፍረያይነት ንምዕባይ ከከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክክብ፤ ትራክተር፣ ኮምባይነር፣ ኣናእሽቲ መብቆልቲ መሳርሕታት ኢሉ እውን ፓምፖታት መስሐቢ ማይ ከምዝርከብዎም እውን ተሓቢሩ።

ሎሚ መዓልቲ እውን 136 ትራክተራት ብወገን ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ንምክፍፋል ዝቐረበ እንትኸውን፤ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ 324 ትራክተራት ንሓረስቶት ከምዝተመሓላለፉ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተገሊፁ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ርክክብ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ክልልን ሓረሰቶትን ተረኺቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.