Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ዓፋር ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት ብምሕባእ ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ጭፍራ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት ሓቢኦም ረኺበዮም ዝበሎም ክልተ ተጠርጠርቲ ከምዝሓዞም ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ወረዳ ዋና ኢንስፔክተር ዓብደላ ሑመድ፥ እቶም ውለቀሰባት ትማሊ ብዝተገበረ ሃንደበታዊ ፍተሸ ክተሓዙ ከምዝኸኣሉ ገሊፆም።

እቶም ውለቀ ሰባት፥ ኣብ ወረዳ ጭፍራ ሃንደበት ብዝተኻየደ ፍተሸ ገዘ ንገዛ ምስ ዝሓብኡዎም ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ኲናት ክተሓዙ ከምዝኸኣሉ ኣብሪሆም።

ኣብ መንበሪ ገዛ እቶም ውልቀ ሰባት ካብ ሞንጎ ዝተረኸቡ መሳርሒታት ኲናት፥ ኣርባዕተ ክላሽን ኮብ ጠበንጃታት፣ ኣርባዕተ ሽጉጣትን ከምዝርከቡዎ ገሊፆም።

2 ሺሕን 289 ጠያይቲ መጥረየስን 112 ጠያይቲ ክላሽንን ከምኡ እውን 50 ባዶ ካርታ ክላሽንን ክልተ ናይ ኢድ ቦምባን ከምዝሓዙ እውን ገሊፆም።

እቶም ዝተትሓዙ ውለቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝርከብ እቶም ዋና ኢኒስፔክተር ኣፍሊጦም።

ፖሊስ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢን ሃገርን ዝህውኹ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ንምቁፅፃር ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ሕብረተሰብ ዝገብሮ ተሳትፎ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ዋና ኢንስፔክተር ዓብደላ ፀዊዖም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.