Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወለዶ ሓደጋ ዘንፀላለወ ወልፊ ቅቲ ፀወታ ቤቲንግ ስፖርት

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍቢሲ)ኣብ ኢትዮጵያ እናተስፋሕፈሐ ዝመፅአ ውርርድ/ቅቲ ፀወታ ስፖርት “ቤቲንግ” ኣብ ማሕበራዊ፣ ስነ-ልቦናዊን ኢኮኖሚያዊን መናእሰይ ፅልዋ እናሕደረ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቲ ፀወታ ውርርድ/ቅቲ ናብ ብርኪ ወልፊ እናተሰጋገረ ምዃኑ እውን ንፋና ብድካስቲንግ ኮርፖሬት ርኢቶኦም ዝሃቡ መናእሰይ ገሊፆም።

እቶም ኣማራፂታት ቅቲ ትሑት ካብ ዝተብሃለ ብር 10 ክሳብ እቲ ዓቕሚ ተቓታዪ ዝፈቕዶ ዝበፅሕ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ብወልፊ ንዝተትሓዙ ሰባት ዝደለዩዎ ንኽገብሩ ማዕፆ ከምዝኸፍተሎም ተገሊፁ።

ኣብቲ ፀወታ ቅቲ ዝሳተፉ ቁፅሪ መናእሰይን ሰገናትን ብቐሊሉ ዝግለፅ ከምዘይኮነ ድማ እቶም ወሃብቲ ርኢቶ ይዛረቡ።

ኣብቲ ፀወታ ንክሳተፉን ቅቲ ንኸካይዶን ሕጋዊ ፍቓድን ኣፍልጦን ዝተውሃቦም ትካላት፥ ዝማዕበለ ድረ-ገፅ ዘለዎም፣ መማረፂ መተግብሪ ኣንድሮይድ ዝጥቀሙን ካብዚ ሓሊፎም ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባን ክልላትን ዝርከቡ ሰባት ዝተፈላለዩ መወራረዲ ካርዲታት ስለዝሸጡሎምን ነቶም ሰገናትን መናእሰይን ብቐሊሉ ዓማዊል ክገብሩዎም ክኢሎም ኢዮም።

በዓልቲ ሞያ ሶሻል ሳይኮሎጂን ኣማኻሪት ስነ ኣእምሮ ዩኒቨርስቲ ሲቪል ሰርቪስን ዝኾና ወይዘሮ ቁምነገር ፍቅሬ ከምዝበለኦ እንተኾይኑ ድማ፥ ነገራት ናብ ወልፊ ምቕያሮም ዝልካዕ ብበዝሒ ወይ ድማ ዋሕዲ ዝወፅእ ገንዘብ ከምዘይኮነ ኢዩ።

ኣብ ካልኦት ወልፊታት ከምዝረአ ወልፊ ዝበሃል ሓደ ነገር ተደጋጊሙ እንትፍፀም ኢዩ ዝበላ እተን በዓልቲ ሞያ፥ ምስ ምስፍሕፋሕ ቴክኖሎጂ ተተሓሒዙ ዝመፀ ውርርድ ስፖርት፤ መናእሰይ ምስዘይፈልጡዎም ኣካላት እናተቐተዩ ይርከቡ ኢለን።

እቶም መናእሰይን ሰገናትን እቲ ውርርድ ወልፊ ስለዝኾኖም ድማ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ፍሉጣት ካብ ዝኾኑ ሊጋት ኣውሮፓ ሓሊፎም ኣብ ዘይፍለጡን ትኹረት ዘይግበረሎምን ፀወታታት እንተይቀረየ እናተወራረዱ ከምዝኾኑ ገሊፀን።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ብፍላይ ኣብ ከተማ መቐለ እዚ ዓይነት ፀወታ ዝውቱር ምዃኑ ይንገር።

ዓለም ለኸ ተነባቢ መፅሄት ዘ ኢኮኖሚስት፥ ኣብ ኢትዮጵያ እናተስፋሕፈሐ ዝመፅእ ዘሎ ቅቲ ፀወታ ስፖርት ብዝምልከት “ኢትዮጵያ ብሕማም ቑማር ተታሒዛ ኣላ” ብዝብል ርእሲ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝርዝር ፅሑፍ ምቕራቡ ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.