Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ዝነበረ ሓያል ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ጉድኣት ከየብፅሕ ኣብ በረኻ እናሃለወ እኹል ነፀጋ ኬሚካል ከምዝተገበረሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ጣብያታት ሓዲስ ቅኝን ኡላጋን ዝነበረ ሓያል ዕስለ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ጉድኣት ከየብፅሕ ኣብ በረኻ (ዱር) እናሃለወ እኹል ነፀጋ ኬሚካል ከምዝተገበረሉ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ገሊፆም።

ውዕሎ መኸተ ኣንበጣ ትማሊ እውን ሓያል ከምዝነበረ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ሓቢሮም።

ይኹን እንበር ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ጣብያታት ሓዲስ ቅኝን ኡላጋን ዝነበረ ሓያል ዕስለ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ጉድኣት ከየብፅሕ ኣብ በረኻ እናሃለወ እኹል ነፀጋ ኬሚካል ተገይርሉ ኣሎ ኢሎም።

“ሙሉእ ብሙሉእ ስለዘይተቐትለ ግን ንሎሚ መዓልቲ እውን ተወሳኺ ስራሕ ኮይኑ ሓዲሩ እዩ” ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ገሊፆም።

ብኻልእ መዳይ ሐዚ እውን ካብ ከባቢታት ቆቦን ዓፋርን ናብቲ ዞባ ዝኣቱ ተመሳሳሊ ከቢድ ዕስለ ስለዘሎ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕሎ ኣዝዩ ፈታኒ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ወፍሪ ብልዑል ተወፋይነት ዝረባረቡ ዘለዉ ኣመራርሓ ዞባ፣ ወረዳታት፣ ጣብያታት፣ ክኢላታት ቢሮ ሕርሻን ህዝብን ክሳብ ሐዚ ብዝገበሩዎ ምርብራብ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ጉድኣት ከይበፅሕ ስለዝገበሩ ካብ ልቢ ክነመስግኖም ንደሊ ኢሎም።

ንቐፃሊ እውን ተመሳሳሊ ወነን ተወፋይነትን ግድን እዩ ዝበሉ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ፥ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ትግራይ ሓበሬታን መረዳእታን ኣብ ምቕራብ ንዘርኣይዎ ተበግሶ ንኢዶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.