Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ውድድር ርብዒ ፍፃመ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ናይ መልሲ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድድር ርብዒ ፍፃመ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ናይ መልሲ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።

ሎሚ ምሽት ካብ ዝግበሩ ክልተ መርሃ ግብሪ ፀወታታት÷ ጋንታ ባርሴሎና ኣብ ሜዳኣ ንፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሴንት ዠርሜይን ተተኣናግደሉ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክልቲአን ጋንታትት ኣብ ፓሪስ ፓርክ ዴስ ፕሪንስ ዝገበረኦ ፀወታ ባርሴሎና 3ን2 ብዝኾነ ውፅኢት ምስዓራ ይዝከር፡፡

ብኻእ መዳይ ስፔናዊት ጋንታ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ቦሩሲያ ዶርትሙንድ ዝገብረኦ ናይ መልሲ ፀወታ ዓብዪ ግምት ተዋሂቡዎ፡፡

ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ኣብ ሜዳኣ ስታዲየም ዋንዳ ሜትሮፖሊታኖ ንዶርትሙንድን 2 ን 1 ዝሰዓረት እንትትከውን÷ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሲግናል ኢዱና ፓርክ ከቢድ ፈተና ክፅበያ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ክልቲኦም ፀወታታ ብተመሳሳሊ ሰዓት ምሸት 4፡00 ክካየዱ ኢዮም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.