Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዝክር መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)”ትኽእሊ ኢኺ-ብፈተና ዝተሃነፀ መንነት ንለውጢ ዝምቹ ስብእና ይህነፅ!” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ግደ፣ ዓቕሚን ኣብነታወነትን ደቂ ኣንስትዮ ዝዝክር ሃገር ለኸ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ  ፌዴራል መዓዛ ኣሸናፊ፣ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ፣ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን፣ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን በዓል መዚ ትራንስፖርት ኢትዮጵያን ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያን ብሓባር ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.