Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዘፈር ጥዕና ዝረአዩ ፀገማት ንምፍታሕን ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ንምምዝጋብን ኩሎም ኣካላት ብላፍነት ክሰርሑ ይግባእ – ዶክተር ሊያ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘፈር ጥዕና ዝረአዩ ፀገማት ንምፍታሕን ኣብ 2015 ዓ.ም ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ንምምዝጋብን ኩሎም ኣካላት ብላፍነት ክሰርሑ ከምዝግባእግባእ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ልዝብ ትልሚ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ሚኒስትር ጥዕና ተረኺበን መደረ ዘስምዓ ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ኩሎም ትልሚታት በጀት ዓመት እቲ ዝቕፅል ዓመት ሪፎርም ተኸቲሎም ከምዝተሃቀኑ ተዛሪበን።

ኣብ ዘፈር ጥዕና ክትትልን ድጋፍን መንገስቲ ከምዝወሰኸ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብ ሓዱሽ በጀት ዓመት መንግስቲ ንዓውዲ ጥዕና ዝሰለዖ በጀት ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ወሰኽ ከምዘለዎ ተሓሩ፡፡

ለገስቲ ትካላት ዝገብሩዎ ሓገዝ ከምዝነከየ ዝሓራ እተን ሚኒስትር፥ ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ፀገም ፈታሕቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ምውዓል ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ኣብ ትልሚ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ዝጠመተ ዘተ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ እናተኻየደ ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.