Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ብር 55 ቢሊየን ልቓሕ ተዋሂቡ – ብሄራዊ ባንኪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ብር 55 ቢሊየን ልቓሕ ከምዝተውሃበ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ካብ ዝተውሃበ ልቓሕ፥ እቲ 85 ሚኢታዊ ንዘፈር ውለቀ ዝተውሃበ ከምዝኾነ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዶክተር ይናገር ደሴ ተዛሪቦም።
ዶክተር ይናገር ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መስከረም ዝነበረ ኣፈፃፅማ ትልሚ ርብዒ ዓመት ዝምልከት መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ኣብቶም ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ባንኪታት ዘሎ መጠን ዕቋር ምስ ዝሓለፈ ዓመት መጠን ዕቋር ሽዱሽተ ዕፅፊ ሓለፋ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ባንኪታት ዘለወን ፀገም ሕፅረት መጠን ጥረ ገንዘብ ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተሰሪሖም ውጽኢት ከምዝተመዝገቡ እውን ዶክተር ይናገር ኣገንዚቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣወርሕ ናህሪ ዕዳጋ ኣብ ምቁፅፃር፣ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምዕባይ፣ ዘፈር ፋይናንስ ጥዑይ ኣብ ምግባር፣ ኣብ ምምሕያሽ ተበፃሕነትን ኣካታታይነትን ፋይናንስ ከምኡ እውን ብመንፅር ስራሕቲ ኢንቨስትመንትን ዕቋርን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣመልኪቶም ኣብ መግለፂኦም ኣልዒሎም።

እቲ ትካል ኣናካየዶም ምስ ዝርከቡ ስራሕቲ ሪፎርም ተተሓሒዞም ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣድሂቦም እውን መብርሂ ሂቦም።

ብለይኩን ኣለም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.