Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ዘውፅኡ ኣተውቲ ፍርያታት ብፍርያት ውሽጢ ዓዲ ምትካእ ተኻኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ዋጋ ዘለዎም ብሸርፊ ወፃኢ ኣተውቲ ፍርያታት ብፍርያት ውሽጢ ዓዲ ምትካእ ከምዝተኸኣለ ኢንስቲትዩት ልምዓት ፍርያት ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣይተ ስለሺ ለማ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ፍርያት ብፅሬትን ብበዘዝሒን ንኽፍርዩ ብምውዳድ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

ብመሰረት እዚ ኢንዱስትሪታት ብወፃኢ ንግዲን ሸርፊ ወፃኢን ኣብ ዝኣትዉ ፍርያታት ንኽዋፈሩ ዘኽእሉ 28 ምርምራትን መፅናዕቲን ከምዝተገበሩ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ካብ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት 194 ሚሊየን ዶላር ንግዲ ወፃኢ ከምዝተረኸበ እውን እቶም ምክትል ዋና ዳይሬክተር ተዛሪቦም፡፡

ብምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ድማ ልዕሊ 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ዋጋ ዘለዎም ብሸርፊ ወፃኢ ኣተውቲ ፍርያታት ብፍርያት ውሽጢ ዓዲ ምትካእ ከምዝተኸኣለ ገሊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.