Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ መተከል ምስ ዘጋጠመ ፀገም ፀፅታ ብምትሕሓዝ ኣብ ልዕሊ 45 ኣመራርሓ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዞባ መተከል ምስ ዘጋጠመ ፀገም ፀፅታ ብምትሕሓዝ ካብ ክልል ጀሚሩ ክሳብ ወረዳ ኣብ ዝነበሩ 45 ኣመራርሓ ሕጋዊን ፖለቲካዊን ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ተገሊፁ።

ካብ ‘ቶም ስጉምቲ ዝተወሰደሎም ኣመራርሓ እቶም 10 ብሕጊ ክሕተቱ ከምዝተገበረ እውን ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ብብርኪ ክልል ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ እቲ ክልል ኮማንደር ነጋ ጃራ፣ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ኮማንደር ወጋሪ ፖሊ ካብ ሓላፍነቶም እንትለዓሉ፥ ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላምን ፀፅታን ኣይተ ኣበራ ባየታ ብሽግሽግ ናብ ካሊእ ቢሮ ከምዝተዛወሩ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.