Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ክልተ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ክልተ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ህይወቶም ሓሊፉ።

እቲ ሓደጋ፥ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሒዛ እናተጓዓዘት ዝነበረት ኣውቶብስ ብምግልባጣ ዝተፈጠረ እንትኸውን፥ ህይወቶም ካብ ዝሓለፉ ተምሃሮ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ 22 ተምሃሮ ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ኣካል ከምዘጋጠሞም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ወረዳ ደጀን ኮማንደር ቢምረው ኣሰፋ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም።

ትማሊ ለይቲ ሰዓት 6ን ፈረቓን ዘጋጠመ እቲ ሓደጋ፥ 44 ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዋቸሞ ኣሳፊራ ናብ ደቡብ ጎንደር እንተጓዓዘ ዝነበረት ተሸከርካሪት ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ወረዳ ደጀን ጣቢያ የትኖራ ፍሉይ ሽሙ በጨት ወንዝ ኣብ ዝበሃል ቦታ ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ብምግልባጣ ዝተፈጠረ ኢዩ።

ጉድኣት ዝበፅሖም ተምሃሮ ናብ ሆስፒታላት ደጀንን ደብረ ማርቆስን ተወሲዶም ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ምዃኑ ገሊፆም።

መልዐሊ ናይቲ ሓደጋ እናተፃረየ ከምዝርከብ እውን እቶም ኮማንደር ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.