Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ብዝበፅሐ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 17 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ሚዳቀኝ ብዝበፅሐ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 17 ሰባት ምሕላፉ ተገሊፁ።

እቲ ሓደጋ ትራፊክ፥ ኣብቲ ወረዳ በላሚ ኣብ ዝበሃል ከተማ ትማሊ ናይ ንጉሆ ሰዓት ፈረቓን ፈረቓን ዘጋጠመ ኢዩ።

በቲ ሓደጋ ህይወቶም ካብ ዝሓለፉ 17 ሰባት ብተወሳኺ፥ ኣብ ልዕሊ 13 ሰባት ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ኣካል ከምዘጋጠመ እውን ተገሊፁ።

ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ እቶም ትሽዓተ ሰባት ከቢድ ጉድኣት ኣካል ዘጋጠሞም እንትኸውን፥ ኣርባዕተ ሰባት ድማ ቀሊል ጉድኣት ከምዝበፅሖም ምክትል ኣተሓባባሪ ድሕንነት ትራፊክ ኢንስፔክተር አዲሱ ኮሬ ተዛሪቦም።

ጉድኣት ዝበፅሖም ሰባት ድማ ናብ ሆስፒታላት ኣምቦን ጌዶን ተወሲዶም ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ ሓደጋ ትራፊክ፥ ህዝቢ ተመላልስ ኣውቶብስ ካብ ከተማ ባለሚ ተሳፈርቲ ሒዛ ካብ መናሃሪያ እናወፅአት እናሃለወት ካብ ከተማ ጌዶ ምስ ዝመፅአት ሲኖትራክ ምብምልጋዓ ዘጋጠመ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.