Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ድሕንነት መገዲ ዘድሃበ ካልኣይ ዲግሪ ትምህርቲ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ መጀመሪ ካልኣይ ዲግሪ ትምህርቲ ድሕንነት መገዲ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስን ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃናን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ እቲ መርሃ ግብሪ ተኻይዱ ዘሎ።

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምሃብ ኣብ ዝጅምሮ ትምህርቲ ንድሕንነት መገዲ ኣተሓሳሳቢ ዝኾነ ሓደጋ ትራፊ ንምንካይ ግደ ኣብ ዝህልዎም ትሕዝቶታት ከምዝካተቱ ተገሊፁ።

ኣብ ቀዳማይ ዙር መርሃ ግብሪ ካብ ክልላት ዝተመረፁ 25 ተምሃሮ ዝመሃሩ እንትኾኑ፥ ኣብ ቀፃሊ ድማ ብዙሓት ሰብ ሞያ ኣብቲ ዓውዲ ኣሰልጢኑ ንምውፃእ እምነ ኹርናዕ ዘንብር ኢዩ ተባሂሉ።

የትራንስፓርት ሚኒስትሯ ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ÷

ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ዜጋታት ብፀገም ድሕንነት መገዲ ብፍላይ ሓደጋ ትራፊክ ብዙሓት ዜጋታት ህይወቶም ከምዝሓልፍ፤ ቀንዲ ምኽንያቱ ድማ ብቕዓት ዘለዎም ሰብ ሞያ ብዝድለ ብርኪ ዘይምርካብን ብሓፈሻ ከም ሃገር ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ሕፅረት ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ሚኒስቴር ትራንስፖርት ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ብምምትሕብባር፥ ስርዓት ድሕንነት መገዲ ኣብ ውሽጢ ካሪኩለም ተኻቲቱ ካብ ዘበነ ትምህርቲ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ንተምሃሮ ከምዝወሃብ ተሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ድሕንነት መገዲ ልምዲ ዘለዎም ሰብ ሞያታት ካብ ወፃኢ እናምፀአት እናስረሐት ምፅናሓ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ኣብቲ ዓውዲ ሓቢሮም ንምስራሕ ዘኽሎም ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.