Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጣልያን ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 475 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ጣልያን ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 475 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕዚ በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ኣስታት 3 ሺሕ ከምዝበፅሐ ዝተሓበረ አንትኸውን፥ እቲ  ኣጋጢሙ ዘሎ መጠን ሞት ድማ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ እቲ ዝዓበየ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ጣልያን 35 ሺሕን 713 ሰባት ብቫይረስ ኮረና ዝተለኸፉ ኢዮም።

ብዝተገበረ ክትትል ሕክምና ድማ ካብቶም ዝተለኸፉ እቶም ልዕሊ 4 ሺሕ ሙሉእ ንሙሉእ ክድሕኑ ከምዝኸኣሉ ተገሊፁ።

ኣብታ ሃገር ብዝኸፍአ ደረጃ ዝተጠቕዐት ዞባ ሎምባርዲ፥ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 319 ሰባት ሞይቶምዋ ኢዮም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ኮሮናቫይረስ ካብ ዝርአ ጀሚሩ፥ ጣሊያን ካብ ቻይና ቀፂላ ብከቢድ እትህሰ ዘላ ሃገር እያ።

ኣብ ስፔን ክሳብ ሐዚ 13 ሺሐን 716 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም እንትልከፉ፥ 598 ድማ ሞይቶም ኢዮም።.

ኣብ ፈረንሳ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት 7 ሺሕን 730 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።

ኣብታ ሃገር ካብ ዘጋጠመ ሞት 175 ሰባት ድማ፥ ዕድመ እቶም 7 ሚኢታዊ ትሕቲ 65 ዓመት ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ብሪታኒያ ክሳብ ሐዚ በዚ ቫይረስ ዝሞቱ 104 ምዃኖም ይግለፅ።

ጀርመን ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 8 ሺሕን 198 ክኸውን እነከሎ፥ 12 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርከል፥ “ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ክንድ’ቲ ናይ ሐዚ ብሓድነት ምውፋር ዘድልዮ ብድሆ ገጢሙና ኣይፈልጥን” ኢለን።

ኣብ ቤልጅየም 1 ሺሕን 486 ሰባት በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ እንትኾኑ፥14 ሰባት ድማ ከምዝሞቱ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ 27 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ፥ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ንምዕጋት ን30 መዓልታት ዶባተን ክዕፆ ወሲነን ኣለዋ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፥ ብብርኪ ዓለም ብለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 200 ሺሕ ምብፅሑ ገሊፁ ኢዩ።

ብተወሳኺ በቲ ሕማም ብውሑዱ 8 ሺሕ ሰባት ሞይቶም ኣለው ክብል ምግላፁ ይዘከር።

እቲ ፀብፃብ፥ ዝበዝሑ በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ካብ ኣውሮፓን ኤሽያን ምዃኖም ገሊፁ።

ኣብ ኣፍሪካ ሰባት ከይእከቡ ድሕሪ ምጥንቃቕ፥ ቁፅሪ በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ክዓቢ ከምዝኽእል ሓቢሩ ኢዩ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.