Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 10 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ዝነበረ ኣዝርእቲ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 10 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር ዝነበረ ኣዝርእቲ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።

ኣፈፃሚ ርክብ ህዝብን ስራሕቲ ኮሚኒኬሽንን እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ከበደ ላቀው፥ ኣብ እዋን ክራማት ካብ ዝተዘርአ 17 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ዘራእቲ ክሳብ ሐዚ እቲ ኣብ 10 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት ዝነበረ ኣዝርእቲ ከምዝተኣከበ ገሊፆም።

ካብ መንጎ እቲ ዝተኣከበ እቲ 9 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብባህላዊ እቲ 800 ሺሕ ድማ ዘበናዊ መሳርሒ ሕርሻ ብዝኾነ ኮምባይነር ከምዝተኣከበ ኣብሪሆም።

ኣብ ከባቢ ቆላን ሓውሲ ደጉዓን ዘሉ ኣዝርእቲ ናይ ምእካብ ስራሕ ይዛዘም ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ብመሳፍንት እያዩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.