Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 104 ዓመት ዕድሚአን ብፓራሹት ዝዘለላ በዓልቲ ፀጋ ዕድመ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ቺካጎ ነባሪት ዝኾና በዓልቲ ፀጋ ዕድመ 104 ዓመት ስመን ኣብ መዝገብ ዘደንቕ ዓለም ክሰፍር ብምሕሳብ ካብ ኣውሮፕላን ብፓራሹት ምዝላለን ተሓቢሩ፡፡

ዶርቲ ሆፍነር ዝተብሃላ እተን በዓልቲ ፀጋ ዕድመ ምዝላል ፓራሹት ዝገበራ ኣብ ደቡብ ምዕራብ 140 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ዝርከብ ከባቢ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ካብ ኣውሮፕላን ካብ 13 ሺሕ ጫማ ወይ እወን ካብ 4 ሺሕን 100 ሜትሮ ብራኸ ብፓራሹት ብምዝላል ኣብ መሬት ምስበፅሓ ኣብቲ ቦታ ንዝተኣከበ ህዝቢ ዕድመ ቁፅሪ ጥራሕ ኢዩ ምባለን ኣሶሺዬትድ ፕሬስ ፀብፂቡ።

ሆፍነር ኣብ 100 ዓመተን እውን ተመሳሳሊ ፈተነ ምግባረን ተሓቢሩ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ጊነስ ወርልድ ሪከርድስ ዝላ ሆፍነር ከም ክብረ ወሰን ንምርግጋፅ እናሰርሐ ምዃኑ እቲ ፀብፃብ ኣፍሊጡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.