Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣዎ ዢዋን ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ሓበራዊ ተረባሕነት ንምስፋሕ፣ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ እተን ሃገራት ኣብ ምጥንኻርን ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ኣብ ምስፋሕን ዝጠመተ ልዝብ ገይሮም።

ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ ዘበናት ዝተሳገረ ርክብ እተን ሃገራት ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ምቕፃሉን  ምስ ኮሙኒስት ፓርቲ ቻይና ዘሎ ርክብ ካብ እዋን ናብ እዋን ክብ እናበለ ምምፅኡን ኣዘኻኺሮም።

ቅድመ ሐዚ ብመሰረት ስምምዕነት ከልቲአን ፓርቲታት ኣብ ትምህርቲ፣ ስልጠናን ልውውጥ ተመክሮን ሓቢርካ ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ስምምዕነት ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

ኣምባሳደር ዣዎ ዢዋን ብግደኦም፥ ፓርቲ ብልፅግና ንኩለ መዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዝሰርሖ ዘሎ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ንኢዶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.