Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ወርቁ ኣይተነው ኣብ ግምባር ወሎ ንዝተመዛበሉ ዜጋታት 100 ሚሊየን ብር ሰሊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣይተ ወርቁ ኣይተነው ብወራር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ግምባር ወሎ ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝኸውን ሓገዝ 100 ሚሊየን ብር ከምዝመደቡ ኣፍሊጦም።

እቶም በዓል ሃፍቲ ትማሊን ሎሚ መዓልቲን 25 ሚሊየን ብር ወጻኢ ብምግባር ነቶም ተመዛበልቲ ዝኸውን ዕድጊት ክዳውንቲን ምግቢ ተንከፍን ገይሮም።

ኣይተ ወርቁ ንትፕኢ ከምዝገለፁዎ፥ ደብሊው ኤ ካብ ዝበሃል ትካሎም 100 ሚሊየን ብር ከምዝመደቡ ብምሕባር ካብ ማሕበረሰብ ንግዲ ብዝተገበረ ወፃኢ ድማ 40 ሚሊየን ብር ኣወፊዮም ኢዮም።

ብተመሳሳሊ እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ግምባር ዓፋር ብዘብፀሖ ጉድኣት ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝኸውን 50 ሚሊየን ብር ብውልቆም ምልጋሶም ይዝከር።

እቲ ሓገዝ ተጠናኺ ከምዝቕፅል እውን ኣፍሊጦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.