Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣባይ ወልዱን ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተን ኣብ ቁፅፅር እንትውዕሉ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መከላኸሊ ስጉምቲ ክውሰደሉ ዝገበሩ ስጉምቲ ተወሲዱሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣይተ ዐዓባይ ወልዱን ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተን ኣብ ቁፅፅር እንትውዕሉ ሃገር ንምብትታን ሃቂኖም  ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መከላኸሊ ስጉምቲ ክውሰደሉ ዝገበሩ ኣመራርሓ እቲ ጁንታ ስጉምቲ ተወሲዱሎም።

ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምኽዳዕ ተግባር ተዋፊሮም ዝነበሩን ኣብቲ ኩይናት ካብ ሰራዊት ከዲዖም ናብቲ ጁንታ ካብ ዝተሓወሱ ጀነራል መኮንናት፣ ላዕለዎት መኮንናት፣ መስመራዊ መኮንናትን ናይ ውልቀ ሓለዋኦምን ስጉምቲ ከምዝተወሰደሎም ሓላፊ መምርሒ ምውፋር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብርጋዴል ጄኔራል ተስፋዬ አያሌው ንግዜኢ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ስጉምቲ ዝተወሰዶም

1ኛ- ሜጀር ጄኔራል ኢብራሂም ኣብዱልጀሊል፡- ቅድሚ ሕዚ ናይ መከላኸሊ ሎጂስቲክ ሓላፊ ዝነበረ

2ኛ- ብርጋዴል ጄኔራል ገብረኪዳን ገብረማርያም ናይ መከላኸሊ ኢንዶክትሪኔሽን ሓላፊ ዝነበረ

3ኛ- ዓሰርተ ላዕለዎት መኮንን

4ኛ – ክልተ መስመራዊ መኮንን

5ኛ- ሓደ ናይቲ ክልል ረዳት ኮሚሽነር ዝነበረ

ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል ላዕለዎት ሰበስልጣን ዝነበሩ ኣመራርሓ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም

1ኛ- ኣይተ ኣባይ ወልዱ:- ነበር ፕሬዝደንት እቲ ክልል

2ኛ- ዶክተር አብርሃም ተከስተ- ናይቲ ክልል ምክትል ፕሬዝደንት ዝነበረ

3ኛ- ዶክተር ረዳኢ በርሀ :- ናይቲ ክልል ኦዲት ሓላፊ ዝነበረ

4ኛ ዶክተር ሙሉጌታ ይርጋ፡-  ናይቲ ክልል  ስታትስቲክስ ኤጀንሲ ሓላፊ ዝነበረ

5ኛ- ኣይተ ዕቁባይ በርሀ :- ምክትል ሓላፊ ጉዳያት ሃይማኖት ዝነበረ

6ኛ- ኣይተ  ጌታቸው ተፈሪ፡- ናይቲ ክልል ቤት ፅሕፈት ፕሬዝደንትን ሰላምን ድሕንነትን ሓላፊ ዝነበረ

7ኛ- ወይዘሮ ኪሮስ ሓጎስ፡- ናይቲ ክልል ማሕበራዊ ጉዳይ ሓላፊት ዝነበራን  ኣብ ቀይዲ ውዒሎም
ብተወሳኺ ክልተ ተወሰኽቲ መከላኸሊ ከዲዖም ነቱ ጅንታ ዝተቐላቐሉ ላዕለዎት መኮንናት ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ እንትኾኑ ንሳቶም ድማ ኮነሬል ገብረእግዚአብሄር አምባዬን ኮሎኔል ትርፏ አሰፋ እዮም።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.