Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ኣማኻሪ ፖሊሲ ወፃኢን ድሕንነትን መራሄተ መንግስቲ ጀርመን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ኣማኻሪ ፖሊሲ ወፃኢን ድሕንነትን መራሄተ መንግስቲ ጀርመን ዶክተር ጃን ሄከር ተዛቲዮም።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ናብ ጀርመን ኣምሪሑ።

ኣብ ዛንሒቶም ድማ ምስ ኣማኻሪ ፖሊሲ ወፃኢን ድሕንነትን መራሄተ መንግስቲ ጀርመን ዶክተር ጃን ሄከር ተዛቲዮም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ገለፃ ገይሮም።

ብዋናነት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጀመረ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ብዝምልከት ቅዋም መንግስቲ ግልፂ ገይሮም።

መንግስቲ ኣብዛ ሃገር ኣብ ዘቤታዊ ጉዳይ ዝጀመሮ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ዕላማ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

ኣብ ከይዲ ምኽባር ሕጊ ንዓለም ዐለኻዊ ኣካላት ወሃብቲ ደገፍ ንኣገልግሎት ምቹውን ናፃን መንቀሳቐሲ ኮሪደር ከምዝተመቻቸወ ገሊፆም።

እቲ ዝተጀመረ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ብህፁፅ ከምዝዛዘም ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.