Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፊልትማን ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት፣ ሰለስቲኣዊ ድርድር ህዳሰ ግድብ፣ ጉዳይ ዶብ ኢትዮ-ሱዳንን ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫን ዝምልከት ኢዩ ተባሂሉ።

ኣይተ ደመቀ፥ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝን አግሪ ምትካልን፣  ሰለስቲኣዊ ድርድር ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት፣ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ናፃ ፈትሓዊን ሰላማዊን ንምግባር ብዛዕባ ዝተገበሩ ቅድመ ምድላዋትን ጉዳይ ዶብ ኢትዮ ሱዳን ሰለማዊ በዝኾነ መገዲ ንምፍታሕ ብወገን ኢትዮጵያ ዘሎ ባህጊ ብዝምልከት ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ታሪኻዊ ርክብ ብምግላፅ፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ዝተፈላለዩ8 ዓውዲታት ኣጠናኺርካ ምቕፃል ከምዘድሊ ሓቢሮም።

አምባሳደር ጀፍሪ ፊልትማን ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ንኣሜሪካ ሰትራቴጂካዊት መሻርኽቲ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ኣብ ጉዳያት ሰላምን ምርግጋዕን ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎም ባህጊ እውን ገሊፆም።

ሰለስቲኣዊ ድርድር ህዳሰ ግድብ ብምቕፃል ብኹሎም ተደራደርቲ ኣካላት ተቐባልነት ዘለዎ መፍትሒ ንምብፃሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብወገን ኣሜሪካ ኣድላዪ ደገፍ ከምዝግበር ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.