Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ዳይረክተር ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብዳይረክተር ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግስታት /UN OCHA/ ኣብ ኢትዮጵያ ራሚዝ ኣልክባሮቭ (ዶ/ር) ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ተዛቲዮም።

እቲ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ዘተ÷ ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ሰብኣዊ ሓገዝን ወራር ዕስለ ኣምበጣ ምክልኻል ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይን ካልኦት እዋናዊ ጉዳያትን ትኹረት ዝገበረ ኢዩ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ÷ ብዛዕባ ከይዲ ምትግባር ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያን ኣብ ህዝቢ ዘጋጥም ዘሎ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ፀገምን ኣድሂቦም ዝርዝር መብርሂ መብርሂ ሂቦም።

ዳይረክተር ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ውሕመ ኣብ ኢትዮጵያ ራሚዝ ኣልክባሮቭ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ እቲ ብሰንኪ ኲናት ዘጋጠመ ፀገም ከቢድ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንምፍትሑ ሓባራዊ ፅዕሪ ከምዝገብሩ ቃል ኣትዮም፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ተመዛበልቲ ኣብ ዝርከብሉ ቦታ ዑደት ከምዝገብር ካብ ቤት ፅሕፈት ፕረዝደንት እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

#Tigray

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.