Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ዳይሬክተር ልኡኽ ዩ ኤስ ኣይዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳይሬክተር ልኡኽ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ(ዩ ኤስ ኣይዲ) ኣብ ኢትዮጵያ ስካት ሃክላንደር ናብ መቐለ ኣምሪሖም።

መቐለ እንትበፅሑ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣቀባብላ ዝገበሩሎም እንትኾኑ፥ ምስ ዝተፈላለዩ ኣመራርሓ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ብምርኻብ ዘቲዮም።

ምስ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ዩ ኤስ ኣይዲን ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ልምዓት ኣሜሪካን ኣብ ሕውየት እቲ ክልል ደገፍ ከምዝገብራ ኣረጋጊፆም።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ምስሳን ፍሪያት ሕርሻ፣ ፅርየት ዘለዎ ኣገልግሎት ጥዕና ንህዝቢ ተበፃሒ ኣብ ምግባር፣ ኣብ ምምሕያሽ ቀረብ ፅሩይ መስተ ማይን ኣተሓላልዋ ንፅህናን ምዝታዮም ተሓቢሩ።

ዳይሬክተር ዩ ኤስ ኣይዲ ኣብ ኢትዮጵያ ስካት ሃክላንደር፥ ፕሮጀክትታት “ኮርነር” መቐለ ኣሜሪካ ከምዝኸፈቱን ኣብ  ሰብኣዊ ሓገዝ ዩ ኤስ ኣይዲ ዑደት ከምዝገበሩን እውን ተሓቢሩ።

ኮርነር ኣሜሪካ ብዝብል ዝፍለጥ ማእኸል ሓበሬታን ቴክኖሎጅን፥ ብምትሕብባር ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ዩንቨርስት መቐለን ዝተሃነፀ ኢዩ።

እቲ ማእኸል መንእሰይ ክእለት ቋንቋ እንግሊዘኛ ዘማዕብልሉን ምስ ካልኦት ዓለም ለኸ ዩኒቨርስቲታት ርክባት ንምፍጣር ዘኽእል ዓቕሚ ዝሃንፅሉን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቶም ዳይሬክተር ኣብ ጣቢያ ጥዕና ሞሞና እውን ዑደት ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ዩ ኤስ ኣይዲ ኣብቲ ጣቢያ ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ንዘለዎም ህፃናት ህይወት ኣድሕን ምግቢታት ይወሃቦም ከምዘሎ ምዕዛቦም ኣብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከም ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ፥ እቶም ዝተመጣጠኑ ምግብታት ብወርልድ ቪዥንን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ኣቢሎም ኣብቲ ክልል ዝከፋፈሉ ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.