Fana: At a Speed of Life!

ኣጠቓቕማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ግንዛበ ንምፍጣርን ሃገራዊ ወፍሪ ንምብርትታዕን ዝሕግዝ ውድርድር ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ናሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣጠቓቕማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ግንዛበ ንምፍጣርን ሃገራዊ ወፍሪ ንምብርትታዕ ዝሕግዝ ውድርድር ዕላዊ ገይሩ።

ረብሓ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘፋልጥ ወፍሪ “ማስክ ኢትዮጵያ” ብፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ዕላ ተገይሩ ተግባራዊ እናተገበረ ይርከብ።

ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ብግድኡ እቲ ወፍሪ ኣብ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ንምብፃሕ ኣጠቓቕማ መሸፈኒ ኣፍንጫን ግንዛበ ዝፈጥርን ሃገራዊ ወፍሪ ንምብርትታዕን ዝሕግዝ ውድርድር ዕላዊ ምግባሩ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ዝምልከቶም ኣካላት ኣጠቓቕማ ማስክ ዘምህር፣ ዝህቦ ብዙሕ ረብሓ ብዝምልከት ግንዛበ ዝፈጥርን ነቲ ሃገራዊ ወፍሪ ዘበረታትዕን ናይ 30 ሰከንድ ቪዲዮን ፎቶግራፍን ብሬዲዮ ክቐርቡ ዝኽእሉ ስራሕቲ ንዘቕርቡ ኣወዳዲሩ ንምሽላም ከምዝተዳለወ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ ነዚ ዕላማ ኣብ ዝተዳለወ ኣድራሻ ኢ-ሜይል moh@moh.gov.etን www.mascethiopia@gmail.comን ከምኡ እውን ኣብ ድረገፅ ሚኒስቴር ጥዕና ብምእታው ዝተዳለወ ሙሉእ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ክሳብ 18 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ብምልኣኽ ንክወዳደሩ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.