Fana: At a Speed of Life!

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ንሓለፍቲ ስራሕ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብፂሖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራሕ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተልኣኸ መልእኽቲ ንፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ቻርለስ ሚሼልን ፕሬዚዳንት ኮሚሽን ኣውሮፓ ዩርሱላ ቮን ደር ላየንን ኣብፂሖም።

እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ ኢትዮጵያ ሰላማዊ፣ ናፃን ፍትሓዊን መረፃ ንምግባር እናሰርሐቶ ትርከብ ፃዕሪ፣ ከይዲ ድርድር ግድብ ህዳሰ፣ ኣብ ትግራይ እናተገበረ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝን ኣብ ካልኦት ሓበራዊ ጉዳያትን ኣድሂቦም ምስ ኣመራርሓታት ሕብረት ኣውሮፓ ዘቲዮም፡፡

ኣመራርሓታት እቲ ሕብረት ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ንዘድሊዮም ወገናት ዝግበር ሓገዝ ብግቡእ ንኽበፅሖም ዝግበር ፃዕሪ ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

እቶም ኣመራርሓታት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብሓባር ዝጀመሮ ከይዲ ምርመራ ዝነኣድ ኢዩ ምባሎም ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.