Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካውያን መሰል ህፃናት ንኽኽበር ኣበርቲዖም ክሰርሑ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካውያንን መራሕቶምን መሰል ህፃናት ንኽኽበር ኣበርቲዖም ክሰርሑ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

ኣብ ኣፍሪካ ብዝፍጠር ጎንፂን ኲናትን ዝጉድኡ ህፃናት ትኹረት ዝገበረ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸባ ፐወሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ኣፍሪካውያን መሰል ህፃናት ንኽኽበር ኣበርቲዖም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ሃገራ ኣፍሪካ፥ ዕረፍቲ ዝኸልኡ ጎንፂታት ምንካይ እንተተዘይተኻኢሉ ህፃናት ንዘመናት ተጎዳእቲ ኮይኖም ከምዝቕፅሉ ኣብሪሀን።

ፕዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ መልእኽተን፥ ጎንፂን ኲናትን ምዕጋት እንተተዘይተኻሉ ዘላቒ ልምዓት ዝበሃል ነገረ ከምዘይሕሰብ እውን ገሊፀን።

ኣብ ኣፍሪካ ብዝፍጠሩ ጎንፂታት ምኽንያት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፍፀሙ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ብፍላይ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ንጨፍጫ ጅምላ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር፣ ጉልበት ብዝበዛ፣ ፆታዊ መጥቃዕቲን ካልኦት መሰል ጉድኣታትን ተቓላዕቲ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪካ መሰልን ድሕንነትን ዜጋታት ብፍላይ ድማ መሰል ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን እታ ኣህጉር ንምሕላው ተባሂሎም ንዝወፅኡ ድንጋገታት ዝፃረርን ኣብቶም ዝወፅኡ ሕጊታት ስግኣት ዝፈጠረን ኢዩ ተባሂሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.