Fana: At a Speed of Life!

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሜሪካ ኣብ ኣፀጋሚ ሰዓት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ሓገዞም ንዘርኣዩ ኢትዮጵያውያን ምስጋና ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)“ኣብ ካፒቶል ሂል መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመሉ ኣፀጋሚ ሓገዞም ንዘርኣዩ ኢትጵያውያን ምስጋና ይብፃሕኹም” ክብሉ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ራይነር ገሊፆም።

ኮንግረስ ኣሜሪካ ቆፀራ ድምፂ ተመረፅቲ መረፅቲ ብምዝዛም ጆ ባይደንን ካማላ ሃሪስን ፕሬዚዳንትን ምክትል ፕሬዚዳንትን ኮይኖም ከምዝተመረፁ ምርግጋፁ፤ እቶም ኣምባሳደር ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።

ድሕሪ ክልተ ሰሙን ድማ ቃለ ማሕላ ከምዝፍፅሙን ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ከምዝህሉን እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።

ኣብ ካፒቶል ሂል ናዕቢ ዝቐስቀሱን ኣብ ዴሞክራሲ ኣሜሪካ ዓመፅ ዘልዑን ገበነኛታት ብመሰረት ሕገመንግስቲ ኣሜሪካ ተሓተትቲ ክኾኑ ኢዮም ኢሎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ ኣሜሪካ ኣብ ኣፀጋሚ ሰዓት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ሓገዞም ንዘርኣዩ ኢትዮጵያውያን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ዘሎ ዘላቒ ምሕዝነትን ምትሕብባርን፥ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.