Fana: At a Speed of Life!

እዚ ምዕራብ ሓይሊ ፀላኢ ክድምስስ ዝኽእል ሜካናይዝድ ሓይሊ ከምዝሃነፀ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እዚ ምዕራብ ሓይሊ ፀላኢ ክድምስስ ዝኽእል ሜካናይዝድ ሓይሊ ከምዝሃነፀ ገሊፁ።
መተሓባበሪ ክፍሊ ሜካናይዝድ እዚ ምዕራብ ኮሎኔል ታደሰ ተበጀ ከምዝገለፁዎ፥ ኣመራርሓ ተኹሲን ምድብተኛ ሓይሊን ዝሓለፈ ናይ ኲናት እዋን መበገሲ ዝገበረ እኹል ምድላው ገይሩ ኢዩ፡፡
 
ኣብ ኩሎም ሜካናይዝድ ሓይሊ ወታደራዊ ስልጠናታት ከምዝተኻየዱ ዝገለፁ ኮሎኔል ታደሰ፥ክፍሊታት ሜካናይዝድ ዝወሃቦም ግቡእ ተቐቢሎም ሓይሊ ፀላኢ ንምውቃዕ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ምድላው ከምዝርከቡ ኣብሪሆም፡፡
እቲ ሰራዊት ካብ ዘጃየዶም ውግኣት ብዙሓት ልምዲታት ብምውሳድ ኣብ ማእኸል ኩነት በቢእዋኑ ዓቕሚ እቲ ሓይሊ ሜካናይዝድ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡
ሜካናይዝድ ክፍሊታት ንእግረኛ ክፍለ ጦራት ሓገዝ ተኹሲን ዒላማታት ፀላኢ ብዘተኣማምን ኩነታት ንምዕናውን ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ድሉዋት ከምዝኾኑ ምግላፆም ካብ ሰረዋት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.