Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ደቡብ ኮሪያዊት ከተማ ቾንቹን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓፍቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነት ከንቲባ ደቡብ ኮሪያዊት ከተማ ቾንቹን ዩክ ዶንግ ሃን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ምስ ጉጅለ ልኡኾም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም፡፡

ከንቲባ ዩክ ዶንግ ሃን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጃንጥራር ኣባይ ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡

ዩክ ዶንግ ሃን መበል 20 ዓመት ክብረ በዓል ሕውነት ክልቲአን ከተማታት ዘኽብሩ እንትኾኑ÷ ርክብ ክልቲአን ከተማታት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ምስ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ከምዝዛተዩ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ፃንሒቱ ንቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት መፃሕፍቲ ምብርካት ሓዊሱ ኣብታ ከተማ ዝተሃነፁ ዓበይቲ ፕሮጀክታትን ኣቢያተ ትምህርቲን ከምዝዕዘቡ ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.