Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ ምዘገባ መረፃ ኣብ ዘይተጀመረሎም ክልላት መረፃ ካብ 29 ሚያዝያ ክሳብ 13 ጉንበት ብፍሉይ ኩነታት ንኽካየድ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ከይዲ ምዘገባ መረፃ ኣብ ዘይተጀመረሎም ክልላት መረፃ ካብ 29 ሚያዝያ ክሳብ 13 ጉንበት 2013 ኣ.ም ብፍሉይ ኩነታት ንኽካየድ ተወሲኑ።

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስ ምምሕዳር ክልላት ብዝገበሮ ልዑል ስራሕቲ ምትሕብባር ጣቢያታት መረፃ ተኸፊቶም ከይዲ ምዘገባ መረፃ ኣብ ዘይተጀመረሎም ቦታታት ምዝገባ ንምጅማር ፃዕሪ እናገበረ ምፅንሑ ተገሊፁ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ካብ 29 ሚያዝያ ክሳብ 13 ጉንበት ብፍሉይ ኩነታት ንኽካየድ እቲ ቦርድ ወሲኑ፡፡

ብመሰረት እዚ፦

  • ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ (ካብ ክልል መረፃ ቤጊን ሰኞ ገበያ ወፃእ)
  • ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ (ካብ ክልል መረፃ ኣያናን ገሊላን ወፃእ)
  • ኣብ ዞባ ቄለም ወለጋ
  • ኣብ ዞባ ሆሮ ጉድሩ (ካብ ክልል መረፃ ኣሊቦ፣ ጊዳምን ኮምቦልቻን)

ካብ ሞንጎ 31 ክልላት መረፃ ኣብተን 24፤ ከምኡ እውን ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዞባ ከማሽ ካብ ዝርከባ ሓሙሽተ ክልላት መረፃ ኣብተን ኣርባዕተ ክልላት መረፃ ምዝገባ ምዝገባ (ካብ ክልል መረፃ ሴዳል ወፃእ) ኣብቶም ዝተፀርሑ መዓለቲታት ንኽካየድ ተወሲኑ።

ኣብ ክልል ምሓራ ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ዝርከባ ክልላት መረፃ ዳዋ ጨፌ፣ ጨፋ ሮቢትን ባቲን እውን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ከምዝካየድ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.