Fana: At a Speed of Life!

ኩሎም ስርዓታት ፋይናንስ ደሕንነቶም ዝተሓለወ ብምዃኑ ሕብረተሰብ ብዘይ ዝኾነ ስግኣት ክጥቀም ይኽእል ኢዩ -ብሄራዊ ባንኪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኩሎም ትካላት ፋይናንስ ዝርከቡ ስርዓታት ፋይናንስ ደሕንነቶም ዝተሓለወ ብምዃኑ ሕብረተሰብ ብዘይ ዝኾነ ስግኣት ግልጋሎት ፋይናንስ ክጥቀም ከምዝኽእል ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ብሄራዊ ባንኪ÷ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብግዚያዊነት ዲጅታል ስርዓት ባንኪ ምቁራፅ ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ፡፡

ኣብ መግለፂኡ ድማ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብዕለት 7 መጋቢት 2016 ዓ.ም ኣብ ዲጅታል ስርዓት ባንኪ ብዘጋጠመ ፀገም ምኽንያት ስሩዕ ግልጋሎታት እቲ ባንኪ ንዝተወሰኑ ሰዓታት ከምዝተቛረፁ ኣዘኻኺሩ፡፡

ትማሊ ኣብ ብንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ምቁራፅ ግልጋሎት ባንኪታት ኣብ ዲጂታል ስርዓት ምስ ዝገብሩዎም ለውጢታትን ፍተሸታትን ተተሓሒዙ ዘጋጠመ ምዃኑ ከምዘረጋገፀ ገሊፁ፡፡

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እቲ ፀገም ካብ ዘጋጠመሉ ሰዓት ጀሚሩ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ድሕንነት እቲ ባንኪን ዓማዊልን ንምርግጋፅ ልዑል ክትትል እናገበረ ከምዝፀንሐ እውን ኣብሪሁ።

“ብምዃኑ ድማ ግልጋሎት ዓማዊል እቲ ባንኪ ኣብ ሓፂር እዋን ክጅምሩን እቲ ባንኪ ናብ ልሙድ ምንቅስቐሱን ክምለስ ምግባር ተኻኢሉ ኢዩ” ኢሉ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኩለን ትካላት ፋይናንስ ዝርከቡ ስርዓታት ፋይናንስ ደሕንነቶም ዝተሓለወ ብምዃኑ÷ ሕብረተሰብ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ስግኣት ግልጋሎት ፋይናንስ ምጥቀሙ ክቕፅል ከምዝኽእል ገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሓፈሻዊ ስርዓት ድሕንነት ፋይናንስ ብዝበለፀ ዝተሓለወ፣ ዘተኣማምንን ዝተረጋገአን ኮይኑ ንኽቕፅል÷ ኣድለይቲ ስጉምታትን ምምሕያሽ ስርዓት ኣሰራርሓን ምውሳድ ከምዝቕፅል እውን ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.