Fana: At a Speed of Life!

ካብ ማላዊ ናብ ሞዛምቢክ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካብ ማላዊ ናብ ሞዛምቢክ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ማላዊ ናብ ሞዛምቢክ ክሰግሩ ኣብ ዝተሳፈሩላ ናይ መጓዓዝያ መኪና ተዓፊኖም ከም ዝሞቱ ኢዩ ተሓቢሩ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ሞት እቶም ዜጋታት ዝተሰመዖ ሓዘን ዝገለፀ እንትኸውን፥ ንመላእ ቤተሰብን ፈተውቶምን ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።

ቁፅሪ መወትቲን ካልኦት ምስዚ ዝተሓሓዙ መረዳእታታት ብዝምልከት ኣብ ቀፃሊ ኣፃሪዩ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝገብር ድማ ኣፍሊጡ።

ማዕኸናት ሚዲያ ዓለም ቁፅሪ መወትቲ እቶም ኢትዮጵያውያን 64 ከምዝኾነ ፀብፂበን።

ካልኦት 14 ሰባት ስደተኛታት ኣብታ መኪና ብህይወት ከም ዝተረኸቡ ሰብ መዚ ምግላፆም ድማ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.