Fana: At a Speed of Life!

ኮሌጅ ጥዕናን ሳይንስ ሕክምናን ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ኣብ መበል 25 ዙር ስነ-ስርዓት ምረቓ 453 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሌጅ ጥዕናን ሳይንስ ሕክምናን ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ኣብ መበል 25 ዙር ስነ-ስርዓት ምረቓ 453 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

ካብ መንጎ እዚኦም 175 ዶክተራት ሕክምና እንትኾኑ እቶም ዝተረፉ ድማ ብናይ ካልኦት ጥዕናን ሳይንስ ሕክምና ዝሰልጠኑ ምዃኖም ተገሊፁ።

ካብቶም ተመረቕቲ 26 ሚኢታዊት ደቂ-ኣንስትዮ እንትኾና፤ እተን 2 ተምሃሮ 3 ነጥቢ 99 ብምምፃእ ተሸለምቲ ሜዳሊያ ምዃነን ተመላኺቱ።

ነቶም ተመረቕቲ መምርሒ ስራሕ ዝሃቡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦድሪን በድሪ፤ ብዝተማሃርሉ ዓውዲ ብሓላፍነትን ብቕንዕናን ሕብረተሰቦም ንከገልግሎሉ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

እቲ ኮሌጅ ካብ 1988 ዓ.ም ጀሚሩ 16 ሽሕን 500 ሰብሞያ ጥዕና ምፍራዩ ተገሊፁ።

ኣብ ፃንሒት እዞም ዓማውቲ ልዕሊ 2 ሽሕ ስራሕቲ መፅናዕታውን ምርምርን ነቲ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ምግባሩ ተሓቢሩ።

ናይ ሎሚ ዓመት ተመረቕቲ ክልላት ሃረሪን ሶማሌን ሓዊሱ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ 1 ሚሊየን ብር ዝግመት ነፃ ኣገልግሎት ሕክምና ምውሃቦም ተመላኺቱ።

ኮሌጅ ጥዕናን ሳይንስ ሕክምናን ኣብዚ ሐዚ እዋን ብቕድመ ምረቓ 2 ሽሕን1 ከምኡ ውን ብድሕረ ምረቓ 1 ሽሕን 79 ተምሃሮ ኣብ ምምሃር ይርከብ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.